Advertisements
IRROB.ORG

Home » Irob Advocacy (IAA)

Irob Advocacy (IAA)

No photo description available.

 

Irob Advocacy Association/ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን

Irob Map

 

መግለፂ ሓዘን ካብ ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን (ኢ.ኣ.ኣ)

ሲቪል ማሕበረሰብ ኢ.ኣ.ኣ ኣብ ውሽጢ ሒደት ማዓልታት ኣብ ወረዳ ኢሮብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብሰራዊት ኤርተራ ብጂምላ ዝተቀተሉ ንፁሃን ስቪል ዜጋታት ሞት ዜና ብምስማዑ ሓያል ሓዘንን ናይ ልቢ ስቢራት ይስመዖ።

ኣብ ከባቢታት ዓሊተና: ጋማ~ዳ`፣ ማጋዑማ: ኣዎ: ዳውሃን፣ እንዳሞሳ -ዓሳጋርዋ፣ ዓዶዓለት ዳጋ: ዳታሓራደ-ኪምቢሮ(ማሳታ) ፣ማድዓ-ዓሰፋት: ጋራቢኖ: ዓጋራለኮማ: ማካታን ኣበን ሓውሱ እስካብ ሀዚ ሓበሬታ ዘይተረኸበሎም ካልኦት ከባቢታት ኢሮብ ከይሓወሰ ልዕሊ 50 (ሓምሳ) ዝኾኑ ብኣብዘሓ መናእሰይን ሰገናትን ዝሪከብዎም ንፁሃን ስቪል ዜጋታት ብዘይምንም ምክንያት፤ ካብ ሰብኣዊነት ወፃኢ ብዝኾነ ፍፁም ጭካኔ ብዝተመልኦ ኣገባብ ብጥይት ህይወቶም ክስእኑ ተገይሩ ኣሎ::

እንካብ ሓደ ስድራ ክሳብ ኣርባዕተን ሓሙሽተን ኣባላት ዝተረሸኑሉ ንምግላፅ ይኹን ንምስማዕ ዝኸብድ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካሊእ ሰብ ይፍፅም እዩ ተባሂሉ ዘይሕሰብ ተግባር ጭካኔን ግፍዒን ተፈፅሙ ኣሎ ።

ብምዃኑ ድማ ኢ.ኣ.ኣ እዚ ናይ ኢ-ሰብኣዊን ፍፁም ጭካኔን ተግባር ጃምላዊ ቅትለት ንፁሃን ስቪላት ብትረት እናኾነነ: ምኹናን ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ግዳያት ስድራቤታት ዝግበኦም ድጋፍን ፍትሒ ንኽረኽቡ ድርጅትና ብዝኽእሎ ኩሉ ኣብ ጎኖም ኮይኑ ሓገዝ ከምዝገብር ክገልፅ ይፎቱ።

ኣብ መወዳእታ ድርጅትና- ኢ.ኣ.ኣ በቢከባብኦም ኣብ መንበሪ ገዛዊቶም ዕለታዊ መነባብረኦም እናመርሑ እናሃለዉ ብድንገት ብጂምላ ብሰራዊት ኤርተራ መተካእታ ዘይብሉ ክቡር ሂወቶም ንዝሳኣኑ ንፁሃን ሞት ዝተስመዖ መሪር ሓዘን እናገለፀ ንኩሎም ስድራ ግዳያትን ህዝቢ ኢሮብን ፅንዓት ይምነ::

ብዘይ ምንም ምክንያት ብግፍዒ ንዝተረሸኑ ሰማእታት ፈጣሪ መንግስት ሰማይ የዋርሶም!

ደግሙ ንኩሉኹም ስድራ ግዳያትን ቀረባ ኣሕዋትን ፅንዓትን ሓይልን ይሃብኩም ይብል!

ጥሪ 14፣ 2013 ዓ.ም

ሲቪል ማሕበረሰብ ኢኣኣ

 

Advertisements

%d bloggers like this: