IRROB.ORG

Home » Irob Related » Justin De Jacobis:

Justin De Jacobis:

Image may contain: 1 person, standing, beard and outdoor

ሓጺር ታሪኽ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖስ

“ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰብኹልኩም መራሕቲ ዘክርዎም። ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ስዓቡ” (ዕብ. 13: 7)
መእተዊ ክቡራት መፍቀርቲ ኣቦና ቅዱስኣቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖ፥ እዚ ዝስዕብ ብሕጽር ዝበለ ናይቶም ኣብ ምድረ ሓበሻ ብሕያውነቶምን ፍቕሮምንዝልለዩ ንካቶሊዊ እምነት ኣብ ኤርትራንኢትዮጵያን (ኣቢሲንያ) ናብ ሕብረት ኩላዊት (ካቶሊካዊት) ቤተ ክርስትያን ዝመለሱ ብእምነት ወላዲና ዝኾኑን ኣብ ሓላይ ዝነበሮምን ዝገበሩዎ ፍሉይ ኣገልግሎትን ከካፍለኩም ክፍትን እየ። ንስኻትኩም ከኣ ፈሊጥኩም ንኻልኦት ኣሕዋትኩም ኣካፍሉዎም።
1) መንነት ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖስ ኣባ ያዕቆብ ዩስጢኖስ ብ 9 ጥቅምቲ 1800 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ከተማ ሳን ፍለ ዝተባህለ ኣብ ደቡብ ኢጣልያ ዝረከብ ካብ ኣቦኦም ጆቫኒ ባቲስታን ኣደኦም ማርያ ጅሰፒና ሙቻን ተወልዱ። ኣባ ዩስጢኖስ ካብ ኣሕዋቶም ሻውዓይ ነበሩ። ብ 17 ጥቅምቲ 1818 ናብ ገዳም ላዛሪስት ደቂ ቅዱስ ቪንቸንስዮስ ኣብ ናፖሊ ኣተዉ። ብ 18 ጥቅምቲ 1820 መብጽዓ ውፉይ ሕይወት ገበሩ። ብ 12 ሰነ 1824 ድማ ብኢድ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ዮሴፍ ማርያ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ። ድሕሪ’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ማኅበሮም ገዳማት ንዝተዋህቦም መሪሕነት ብዘደንቕ ስብከተ ወንጌልን ክርስቶሳዊ ኣገልግሎቶም ገበሩ።

2) ምምጻእ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖስ ንምድረ ሓበሻ
ኣባ ያዕቆብ ብቕድስቲ መንበር (ቫቲካን) ተላኢኾም ምስ ብጻዮም ኣባ ሉዊጂ ሞንትዎሪ ብ 24 ግንቦት 1839 ንኢትዮጵያ ምእንቲ ክኸዱ ካብ ኢጣልያ ተላዕሉ። ብ 13 ጥቅምቲ 1839 ድማ ናብታ ብቱርኪ ትመሓደር ዝነበረት ወደብ ምጽዋዕ (ባጽዕ) ኣተዉ። ብ 15 ጥቅምቲ 1839 ካብ ባጽዕ ነቒሎም ብድግሳ ጌሮም ብ 29 ጥቅምቲ 1839 ዓደዋ ኣተዉ። ኣብቲ ቦታ ክቕመጡ ምስ ዝጸንሑ ወዲ ማኅበሮም ኣባ ዮሴፍ ሳፔቶ ተራኸቡ።
ድሕሪ’ዚ እዞም ሰለስተ ፈለስቲ ኣብ ጉዕዞ ስብከቶም ዝጥቀሙሉ ሜላታትን ክገብሮዎ ዘለዎም ጥንቃቐታት ድሕሪ ምዝታይ፣ ሓዋርያዊ ስራሖም ንምስላጥን ወንጌል ንምስባኽን ሰለስተ ናይ ስብከታቶም ኣውራጃታት ሓንጸጹ። ኣባ ዮሴፍ ሳፔቶ ንሽዋ፣ ኣባ ሞንትዎሪ ንጎንደር፣ ኣባ ያዕቆብ ድማ ኣብ ዓድዋ ተመደቡ። ብ 10 ታሕሳስ 1839 ድማ ነናብ ዝተመደቡዎ ናይ ሓዋርያዊ ግራቶም ተፋነዉ።

3)ኣብነታዊ ስብከትን ትምህርትን ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ኣብ ዓድዋ
ኣባ ያዕቆብ ኣብ ዓድዋ ብዝጸንሑሉ ጊዜ ብተፈታውነቶም ንኸባቢኦም ሰሓቡ። ኣብ ሓጺር ጊዜ እውን ቋንቋታት ግእዝ ትግርኛ ኣምሓርኛ ጽቡቕ ጌሮም መለኹ። ሰጋእ ከይበሉ እውን ብዕለት 26 ጥሪ 1840 ኣብ ዓድዋ ንዝርከቡ ቤተ ክህነት ክሰብኩን ክምህሩን ጀመሩ። ነዚ ዝተዓዘቡ ሰባት ድማ ብፍቕሮም ተሳሒቦም ናብኦም ክቐርቡ ተራእዩ። ኣባ ያዕቆብ ንሓደ ዓመት ምሉእ ብጸሎትን መጽናዕትን ንወንጌላዊ መምርሒኦም ናብ ግብሪ እናኣውዓሉኣብ ዓድዋ ሰፈሩ። ምግቦምን ክዳኖምን ኣሳእኖምን ኩሉ ከም ናይ ሓደ ኢትዮጵያዊ ፈላሲ ነበረ። ብህዝቢ ኮነ ብቤተ ክህነት ከኣ ፍሉይንፍቱውን ነበሩ።
ኣብቲ እዋን’ ቲ ምስ ዚነበሩ ደጊያት ውቤ ዝተባህሉ እውን ጽቡቕ ርክብ ገበሩ። ኢትዮጵያ ኣብቲ እዋን’ቲ ጳጳስ ስለዘይነበራ ድማ ንግብጺ ጳጳስ ክወሃቡዎም ምስ ዝኸዱ ጉጅለ ከሰንዮም ሕቶ ቀረበሎም። ድሕሪ ብዙሕ ምሕሳብ ድማ ውዕሊ ጌሮም ንሓሳብ ደጊያት ውቤ ተቐቢሎም ንግብጺ ከዱ፣ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ እዮም እምበኣርከስ ምስቶም ንሓቂ ሃሰስ ዝብሉዋ ዝነበሩ ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ዝተላለዩ። ኣብ እስክሳንድርያ ግብጺ “እንድርያስ” ዝተባህሉ ጳጳስ ድሕሪ ምርካብ ብኡ ጌሮም ምስቶም ጳጳስ ክወሃቡ ዝኸዱ ኢትዮጵያውያን ንሮማ በጽሑ’ሞ ብኡ ጌሮም ከኣ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናብ ኢዮርሳሌም ተሳሊሞም ድሕሪ ብዙሕ ጉዕዞን ድኻምን ብ 3 ሚያዝያ 1842 ምጽዋዕ (ባጽዕ) ኣተዉ። ብዕለት 12 ግንቦት 1842 ድማ ከተማ ዓድዋ ብሰላም ኣትዉ። ኣባ ያዕቆብ ብህዝቢ ኮነ ብቤተ ክህነት ተፈታውነትን ፍቕርን ስለ ዘሕደሩ ብዙሓት መንእሰያትን ኣቕሽትን “ምሳኹም ይሕሸና” ብምባል ናብኦም ክውሕዙ ጀመሩ። ኣባ ያዕቆብ ብተመሃርቶምን ዝኣመኑዎም ፈለስትን ተሰንዮም ብዙሓት ገዳማት ኢትዮጵያ በጽሑ።
ኣባ ያዕቆብ ኣብዘን 1839- 1847 ኣቢለን ዝነበራ ዓመታት ኣብ ዓድዋ፡ ኣብ ጎልዓ (ከባቢ ዓዲ ግራት)፡ ዓሊተና (ኢሮብ) ስፊሮም ነበሩ፣ ኣባ ያዕቆብ ብኢድ ኣቡነ ማስያስ ጉልየልሞ (ንኣውራጃ ኦሮሞ ስብከት ክገብሩ ዝተመዘዙ)ብ 8 ጥሪ 1849 ኣብ ወዳባዊት ከተማ ባጽዕ ጸገም ስለዝነበረ፣ብስቱር ኣገባብ መዓርገ ጵጵስና ተቐበሉ። ኣቡነ ያዕቆብ ኣብ ከባቢ ትግራይ ብራእስታት ትግራይን ብተቓውሞ ንኢትዮጵያ ዝመጹ ግብጻዊ ጳጳስንብዙሕ ስደትን መከራን ኣጋጠሞም። ድሕሪ’ዚ እታ ሓንቲ ኣማራጺት ዝነበረቶም ንሓላይ ምምጻእ ጥራሕ ኮነ።

4)ሓበሬታ ኣቡነ ያዕቆብ ብዛዕባ ሓላይ
ኣቡነ ያዕቆብ ብ 2 የካቲት 1847 ዓ. ም. ፈ. ናብ ሓለቓ ማኅበር ተልእኮ ወንጌል ናብ ካርዲናል ፊሊፖ ፍራንሶኒ ኣገዳሲ ሓዋርያዊ ጸብጻብ ጸሓፉ። ኣብ ናይቲ ዝጠቕሰ ዕለት ጸብጻቦም ንመጀመርያ ጊዜ ብዛዕባ ሓላይ ካቶሊካውያን ይዛረቡ። ሓላይ ኣገዳሲት ዓዲ ከም ዝኾነት ከኣ የረድኡ። ኣገዳስነታ ብዝሒ ህዝባን ናብ ወደብ ምጽዋዕ ብምቕራባ እትህቦ ረብሓ ኣገልግሎታን ከም ዝኾነ የፍልጡ። ሓደ ካብቶም ብኣቡነ ማስያስ መዓርግ ክህነት ዝተቐበሉ ኣባ እምነቱ ግብረቱ ኢትዮጵያዊ ንኣቡነ ያዕቆብ ወኪሎም 7 ቅርሺ ከፊሎም ብ ሓምለ 1850 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ሓላይ ንመንበሪ ጳጳስን ንገዳምን ዝኸውን ቦታ ገዝኡ። እኹላት ኣባይቲ ተሰርሑ። ናይ ቁምስና ቤተ ክርስትያን ሓላይ ምእመናን ተሳትፎ እናዓመረ ከደ።

5) ሓላይ ናይ ሓዋርያዊ ጳጳስ ምስሌነ ሰበኻ ምድረ ሓበሻ መንበር ኮነት
ሓላይ ኣብ መወዳእታ ወርሓት ብ 1851 ዓ. ም. ፈ. ናይ ሓዋርያዊ ጳጳስ ምስሌነ ሰበኻ ምድረ- ሓበሻ ኮነት። ብመሰረት ኣዋጅ መንበረ ጰጥሮስ (ቫቲካን) እቲ ናይ ምድረ- ሓበሻ ሓዋርያዊ ናይ ሊቀ ካህናት ምምሕዳር ብ 19 ሰነ 1847 ዓ. ፈ. ናብ ደረጃ ሰበኻ ሓዋርያዊ ሊቀ ምስሌንነት ክብ በለ። ክሳብ ሽዑ ብደረጃ ሓዋርያዊ ሊቀ ካህናት ንምድረ ሓበሻ ዝመርሑ ዝነበሩ ኣባ ያዕቆብ (ዩስጢኖስ ደያኮቢስ) ብሕዝቢ ብስም ኣባ ያዕቆብ ዝፍለጡ “ጳጳስ ስዩመ ኒሎጶሊስ ሓዋርያዊ ምስሌነ ምድረ ሓበሻ” ተሸሙ። ካብ 7 ናብ 8 ጥሪ ኣብ ዘግሐ ለይቲ ብ1848 ዓ ም. ፈ. ኣብ ምጽዋዕ (ባጽዕ) ብኢድ ብጹእ ኣቡነ ማስያስ መዓርገ ጵጵስና ተቐብኡ። ኣብቲ እዋን’ቲ ብርቱዕ ስደትን ግፍዕን ኣጋጠሞም ካብ እምኩሉ ባጽዕ ቤቶም ዝነበረት ሃዲሞም ኣብ ደሴት ርእሲ ምድሪ ሃዲሞም እዮም ስርዓት ጵጵስና ዝተፈጸመሎም። ብድሕሪኦም ድማ እታ ኣብ እምኩሉ (ባጽዕ) ዝነበረት ቤቶምብብላታ ኮኸቤ (ኣማሓዳሪ ትግራይ) ዝተመርሐን ዝተኣዘዘን ሰለስተ ሽሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ ሕዝቢ ከተማታት እምኩሉን ሕርጊጎን ቅትለትን ናይ ኣባይቲ ምቅጻልን ዘመተ ኣካየዱ። ኣቡነ ያዕቆብ ካብ እምኩሉ ሃዲሞም ናብ ደሴት ምጽዋዕ ምስ ተዓቝቡ ናይ እምኩሉ ቤት ጸሎቶም ብሰራዊት ብላታ ከኾቤ ተቓጸለት፣ ናብ ሓመድ ተለወጠት። በዚ ምኽንያት እምበኣርከስ ኣቡነ ያዕቆብ ብዙሕ ሽግር ረኸቡ።
ኣቡነ ያዕቆብ ድሕሪ 9 ወርሒን ክልተ መዓልትን ስደቶም ንሓላይ በጺሖም ንዓሊቴና ኣትዮም ብዙሕ ነገራት ኣቃንዑ። ጻዕቂ ስደትን ኣዋጅን ናብ ጎልዓን ከባቢኣን ኬንቀሳቕሶም ስለ ዘይከኣለ ሓዋርያነቶም ኣይተዓወተን። ብጉዳይ ጸጥታ ዝሓሸ ኣማራጺ ንሓላይ ምምዕባል ከም ዝሓይሽ ተረድኡ። ብ 1851 ዓ. ፈ. መወዳእታ ወርሓት እኹል ኣባይቲ ምስ ተሃንጸ ንተመሃርቲ ዘርአ ክህነት ካብ ዓሊቴና ንሓላይ ለወጥዎም። ሽዑ ሓላይ ብወግዒ መንበረ ጳጳስ ሓዋርያዊ ምስሌነ ሰበኻ ምድረ ሓበሻ (See of the Apostolic Vicariate of Abyssinia) ኮነት። ኣቡነ ያዕቆብ መዓርገ ጵጵስና ምስ ተቐበሉ ንመጀመርያ ጊዜኦም መዓርገ ክህነት ዘለበሱዎም ን ብፁዕ ገብረሚካኤል እዮም። ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ብ 1 ጥሪ 1851 ዓ. ም. ፈ ኣብታ ዝኣረገት ቤተ ክርስትያን ዓሊተና እዮም ክህነት ተቐቢሎም። ድሕሪ ክህነቶም ድማ እታ ናይ መጀመርያ ክህነታዊ ኣገልግሎቶም ክገብሩላ ዝተላኩላ ዓዲ ሓላይ እያ እያ።

6) ሓላይን ኣቡነ ያዕቆብን ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ መልእኽተኛ ላዛሪስት
በቲ እዋን’ቲ ናይ ማኅበር ላዛሪስቲ ዓለም ለኻዊ ጠቕላሊ ሓለቓ ወይ ርእሰ ጉባኤ ኣባ ኤትየን ዝበሃሉ ኣብ ከተማ ፓሪስ ይቕመጡ ነበሩ። ናይ ሰበኻ ምድረ ሓበሻ ወግዓዊ ሓውጾተ ወይ ምብጻሕ ከም ዘድሊ ከኣ ተረድኡ። ናይ ላዕላዋይ ቤት ምኽሮም ኣባል ኣባ ማርቆስ ኣንጦንዮስ ፑሶ መልእኽቶም ፈጺሞም ካብ ሃገር ቻይና ይምለሱ ስለ ዝነበሩ ናብ ሰበኻ ምድረ – ሓበሻ ወግዓዊ ትዕዝብቲ ኬካይዱ መዝነት ተቐበሉ። ኣባ ማርቆስ ኣ. ፑሶ ብ ታሕሳስ 1851 ዓ.ም. ፈ. ናብ ወደብ ምጽዋዕ ኣተዉ። ካብኡ ኣብ ቤት ማኅበር እምኩሉ ንቑሩብ መዓልታት ምስ ኣዕረፉ ብ 12 ታሕሳስ ኣብ እምኩሉ ብዝጸንሑ ወዲ ማኅበሮም ኣባ ጆቫኒ ስቴላ ተሰንዮም ናብ መንበረ ጳጳስ ሓላይ ኣምርሑ። ኃው ፍሊፒኒ ከኣ ኣብ ሓላይ ክጽበዮም ጸንሐ። ኣቡነ ያዕቆብ ግን ብሓዋርያዊ ጉዳይ ምኽንያት ኣርሖቖም ጸንሑ።እቶም በጻሒ ድማ ኣቡነ ያዕቆብ ክሳብ ዝመጹ ንሓላይን ከባቢኣን ኣነባብራ ህዝባን ክዕዘቡ ጽቡቕ ዓድል ረኸቡ። ኣቡነ ያዕቆብ ጋሻ መጺኦምሞ ከም ዘለዉ ሓበሬታ ምስ በጽሖም ብ 23 ታሕሳስ 1851 ዓ. ም. ፈ. ንሓላይ ተመልሱ። ኣብ ቤት ማኅበር ሓላይ ድማ ኣብታ ኃው ፊሊፒኒ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ሰሪሑ ዝፈጽማ ቤት ጸሎት ልዕሊ 20 ኣቢሎም ዝበጽሑ ኣባላት ዝተሳተፉዎ በዓለ- ልደት ፈረንጂ (Christmass)ምስኣቶም ኣብዓሉ። ኣብዚ ዝተጠቕምሉ ሕብስቲ ናይ ቅዱስ ቁርባን ድማ ንድኽነቶም ዝነግር ሑጻ ዝተሓወሶ ሓርጭ ዝተሰንከተ ነበረ። እቶም ልኡኽ ነዚ ርእዮም ንኹነታት ኣነባብራ እቲ ህዝብን ከባቢኦምን ከስተውዕሉ ከኣሉ። ድሕሪ’ዚ እቶም መልእኽተኛ ማኅበር ብዘድሊ ጉዳያት ምስ ኣቡነ ያዕቆብ ተዋስኡ። እቶም በጻሒ ኣብ መዝገቦም ዘስፈሩዎ ብዛዕባ ሓላይን ኣቡነ ያዕቆብን እምበኣርከስ ከምዚ ይመስል፡
“ሓላይ ካብ 700 ክሳብ 800 ዝበጽሕ ሕዝቢ ነበራ። ግምት ብዝሒ ካቶሊካውያን ካብ 400 ክሳብ 500 ነበረ። ናብ ስብከተ ወንጌል ዝተዋፈሩ 15 ካህናት ደቀባትን ቁሩባት (ውሑዳት) ፈለስትን፣ 10 ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ከምኡውን ካልኦት እናተመላለሱ ዝመሃሩ መንእሰያትን ነበሩዋ። ኣቡነ ያዕቆብ ምስ ሕዝቢ ሓበሻ ንኺነብሩ ህያብ ዝተዓደሉ ይመስሉ። ሕያዋይ፡ ተፈታዊ፡ ለዋህ፡ ቀጻዒ ርእሶም፡ ዕጉስ እዮም ዝነበሩ። ብኹሉ ኣነባብራኦም ነቶም ካህናት ደቀባት እዮም ዝመስሉን ዝኽተሉን። ብምግብን ኣካዳድናን ንዓኣቶም መሰሉ። ሓርፋፍ ዝዓለባኡ ቀሚሽን ንእሽቶ ጨርቂ ቆቡዕን ይወድዩ፤ ናይ ቆርበት ላም ማእሲ ከኣ ነበረ ዓራቶም።ተወጢሖምሉ ዝኸዱ ፈረስ ኣይትርእን ኢኻ። ምስኦም ዝስጉም ነዊሕ ምርኩስ እዩ ብጻዮም። እዚ ኩሉ ምናኔ- ኣቡነ ያዕቆብ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ኣኽብሮት እዩ ዜሕድረ። ቅዱስ ተባሂሎም ከኣ ተሰምዩ።”

7) ናይ ቤት ዘርአ ክህነት ሓላይ ፍረ ኩስኰሳ
ኣቡነ ያዕቆብ ንሓላይ ናብ መንበር ሓዋርያዊ ጳጳሳዊ መሪሕነቶም ምስ ለወጡዋ ብትእዛዝ መንበረ ጴጥሮስ (ቫቲካን) ንወዲ ማኅበሮም ኣባ ሎረንዞ ቢያንከሪ ብ 2 ጥቅምቲ 1853 ዓ. ፈ. ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ሓላይ ጳጳስ ስዩመ ላንጎን ምኽትል ሓዋርያዊ ምስሌነን ሰበኻ ምድረ ሓበሻ ቀብኡዎም። ባዕሎም ኣቡነ ያዕቆብ ኣብ ዜና መዋዕሎም በዛ ዝተጠቕሰት ዕለት ከም ዘመልክቱዎ ክልተ ሓገዝቲ ዝቐብኡ ኣቡናት ስለዘይነበሩ ብፍሉይ ሓዋርያዊ ፍቓድ ክልተ ካህናት ደቀባት ብትዕዝብቲ ኣብቲ ቅብኣ ጵጵስና ተሳተፉ። ንሳቶም ኣባ ወልደገብርኤል በዓል ሽዋን ኣባ ዘካርያስ በዓል ኣኽሱም ነበሩ። ክልቲኦም ምሁራት ሮማ ስለ ዝነበሩ ቋንቋ ላቲን ከኣ ስለ ዝፈልጡ ነቲ ብላቲን ዝተኻየደ ስርዓት ቅብኣ ጵጵስና ብትዕዝብቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ብርድኢት ተኸታተሉዎ።

8) መሪሕነት ዘመነ ሓላይ ኣብ ቤት ዘርአ ክህነት ሓላይ ተዀስኲሶም ኣብኡ (ኣብ ሓላይ) በብደረጃኡ
መዓረገ ክህነት ዝተቐበሉ ኣስማት ፈለስትን ሰብ -ተኽሊልን (ምርዑዋትን) ፡
1. ኣባ ገብረ ጻድቕ በዓል ዓድዋ፡ ብ 19 ነሓሰ 1852 ዓ.ም. ፈ. ብኢድ ኣብነ ያዕቆብ ክህነት ተቐበሉ
2. ኣባ ዘካርያስ ንኡስ በዓል ዘንጐሕዋሕዱ ብዝብል ስም ዝፍለጡ ዝነበሩ፡ ብ19 ነሓሰ 1852 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ሓላይ መዓርገ ዲቁና ብኢድ ኣቡነ ያዕቆብ ተቐበሉ። ብ21 መስከረም 1856 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ሓላይ ክህነት ተቐበሉ።
3. ኣባ ዮሴፍ፡ ብ 19 ነሓሰ 1852 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ሓላይ ብኢድ ኣቡነ ያዕቆብ መዓርገ ዲቁና ተቐበሉ። (ዕለተ ክህነቶም ኣይነጸረን) ። ኣብ ናይ 27 ታሕሳስ 1854 ዓ. ም. ፈ. ዜና መዋዕሎም ቅዱስ ኣቦና ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኦም ኣብ ከባቢ ጐንደር ተሓቢኦም ብዝነበሩሉ ጊዜ ስደት ከይፈርሑ ካብ ሓላይ ንጐንደር ሓዲስ ካህኖም ኣባ ዮሴፍ በዓል ጐጃም ከም ዝመጽኡዎም ይሕብሩ።
4. ቀሺ ተኽላይ በዓል ኣውህነ፡ ብ 8 ጥቅምቲ 1853 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ሓላይ ብኢድ ኣቡነ ቢያንከሪ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ።
5. ቀሺ እምነቱ በዓል ባረክናሃ፡ ብ 8 ጥቅምቲ 1853 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ሓላይ ብኢድ ኣቡነ ቢያንከሪ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ።
6. ቀሺ ገብረስላሴ በዓል በረክናሃ፡ ብ 26 ጥሪ 1854 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ሓላይ ብኢድ ኣቡነ ቢያንከሪ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ።
7. ቀሺ ተስፋዮሓንስ በዓል ደርዓ፡ ብ 29 ጥሪ 1854 ዓ. ም. ፈ. ብኢድ ኣቡነ ቢያንከሪ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ።
8. ኣባ ገብረኢየሱስ በዓል ጐንደር፡ ብ 21 መስከረም 1856 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ሓላይ ብኢድ ኣቡነ ያዕቆብ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ።
9. ኣባ ኣረጋዊ ደሱ በዓል ሳዓሲዕ፡ ብ 21 መስከረም 1856 ዓ. ፈ. ኣብ ሓላይ ብኢድ ኣቡነ ያዕቆብ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ።
10. ኣባ ዮሓንስ ተስፋጊዮርጊስ (ተወልደ መድህን ብዝብል ስም ዝፍለጡ ዝነበሩ በዓል ኣውራጃ ዓድዋ) ፡ ብ 21 መስከረም 1856 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ሓላይ ብኢድ ኣቡነ ያዕቆብ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ። (እዞም ካህን እዚኦም ቅዱስ ኣቦና ያዕቆብ ኣብ ሩባ ዓሊገደ ክሞቱ ምስ ቀረቡ ንምስጢረ ኑዛዜኦም ዝሰምዑን ሬሳኦም ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ሓላይ ተቐቢሮም ካብ ዘለዉን እዮም።)
11. ኣባ ኪዳኑ ወይ ኪዳነማርያም ወልደጊዮርጊስ በዓል ወረዳ ኣሕስኣ ኣውራጃ ዓድዋ፡ብ 21 መስከረም 1856 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ሓላይ ብኢድ ኣቡነ ያዕቆብ መዓርገ ክህነት ተቐብሉ። (እዞም ካህን እዚኦሞ’ውን ሬሳኦም ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ሓላይ ተቐቢሮም ኣለዉ።)

9) ለበዋ ሽማግለ ሓላይ ንደቆም
ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ብድሕሪ እቶም ንሓላይ ዝበጽሑዎም ኣባ ማርቆስ ኣ. ፑሶ፣ ብዕለት 13 ግንቦት 1852 ዓ. ፈ. ንመጀመርያ ጊዜ ሓደ መልእኽቲ ጸሓፉሎም። ኣብቲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦነ ያዕቆብ ኣብ ዝህቢ ሓላይ ፍቱውን ቅቡልን ከም ዝነበሩ ዘርኢ እዩ። ኣብቲ ጽሑፉ ንሓደ ናይ ሓላይ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ኣቦኡ ካቶሊካዊ እምነት ተቐቢሎም ነበሩ። እቶም ሽማግለ ሰብኣይ ብዕደመ ደፊኦምን ሓሚሞም ክሞቱ ቀሪቦም ኣብ መደቀሲኦም ተጋዲሞም ነበሩ። እዞም ሰብኣይ ንወዶም ጸዊዖም፡ “ዝወደይ! ቅድሚ ምማተይ ክምረቐካ እንተ ደሊኻ ኣቡነ ያዕቆብ ዝበሉኻ ከም ትሰምዖምን ከም ተኽብሮምን ውዕሊ እተወለይ” በሉዎ። እቶም ካልኦት ስድራቤት እውን ብኹነታት ወላዲኦም ኣብ ጎድኖም ኮይኖም እናበኸዩ ከበቡዎም። ድሕሪ’ዚ እቶም ሽማግለ ሰብኣይ “ኣብ ክንዲ ምብካይ ምጽንናዐይ ክትካፈሉ ዶ ኣይምሓሸን? ምስ መድሓኒየይ ክራኸብ እኸይድ ከም ዘለኹ ዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? ቀልጥፉ! ቀልጥፉ! እቲ መብራህቲ ወልዑዎ! ንቐብረይ ከኣ ተዳለዉ ‘ዞም ደቀይ!” በሉዎም።
እቶም ሽማግለ ሰብኣይ ምስ ሞቱ ኣቡነ ያዕቆብ ኣብ ስርዓት ቀብሮም መሪሖም ተሳተፉ። ምስኦም ድማ ሸውዓተ ናይ ኦርቶዶክስ ኣቕሽቲ ኣሰነዩዎም። እቶም ኣቕሽቲ ንኣቡነ ያዕቆብ ኣዝዮም ይፈትውዎም ስለ ዝነበሩ ንባዕላቶም ካቶሊካውያን ክኾኑ ወሰኑ። ካቶሊካውያን ድሕሪ ምዃን ድማ ቤተ ክርስትያናቶም ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ኣቡነ ያዕቆብ ክኸውን ተሰማምዑ። ቤት ትምህርቲ ክሰርሑሎም ድማ ተላበውዎም። እቶም ካብ ግብጺ ዝመጹ ጳጳስ ኣቡነ ሰላማ ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ ኣዝዮም ሓረቑ። ወረቐት ጽሒፎም ድማ “ብኣባ ያዕቆብከይትጽለው” ኢሎም ኣምሪሮም ድሕሪ ምዝራብ ካብ ዓዶም ክሰጉዎም ከም ዘለዎም ጸሓፉሎም። እቶም ኣቕሽቲ ኦርቶዶክስ ግን ንቕዱስ ኣቦና ይኣምኑዎምን ይፈትዎምን ስለ ዝነበሩ ንመልእኽቲ ኣቡነ ሰላማ ጸማም እዝኒ ብምሃብ እኳ ደኣ መሊሶም ንሔቦን ኣዅሩርን ዓዲ ቁንጽን ዓዲ ፍኒዕን ማይዔላን ክበጽሑዎምን ካቶሊካውያን ንኺኾኑን ዓቢይ እጃም ኣበርከቱ።
በዚ መንግዲ’ዚ እምበኣርከስ ሓላይ ካቶሊካዊ እምነት ኣብ ኤርትራ ድልዱል መሰረት ክረክብ ገፊሕማዕጾ ዝኸፈተት ዓዲ እያ። ኣቡነ ያዕቆብ ከኣ ኣዝዮም ፍቱውን ቅዱስን ስለ ዝነበሩ እቲ ህዝቢ ካብ መጠን ንላዕሊ የኽብሮም ከም ወላዲኡ ይቖጽሮምን ነበረ። ቅዱስ ኣቦና ብገዛእቲ ትግራይን ተቓውሞ ኣቡነ ሰላማን ዝተወደበ ዝተፈላለየ ፈተነ ቅትለትን የገጥሞም ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ሓላይ ነዚ ኩነታት እዚ ምስ ሰምዐ ንቕዱስ ኣቦና ካብ ሓላይ ኣርባዕተ ኪሎ ሜተር ንወገን ሰሜናዊ ምብራቕ ዝረከብ “በዓቲ ጽዮን” ወይ ድማ ብኣጸዋውዓ ልምዲ ሓላይ “በዓቲ ለጨን” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ወሲዶም ካብቲ ዝመጽእ ዝነበረ ፈተነታት የድሕኑዎም ከም ዝነበሩ ኣቦታት ሓላይ ክሳብ ሕጂ ይምስክሩ። ኣቡነ ያዕቆብ እውን ኣብዚ ሃዲሞም ዝዕቆቡሉ ዝነበሩ በዓቲ ጸሎተ ቅዳሴኦም የብጽሑ ከም ዝነበሩ ይንገር።ህድሞ ናይ ቅዱስ ኣቦና ውን በቶም ጸላእቲ ይቃጸል ከም ዝነበረ የዘንትዉ። እዛ ሕጂ ኣብ ሓላይ ዘላ ቅርሲ ህድሞ ናይ ቅዱስ ያዕቆብ ኣቦና ሳልሰይቲ ከም ዝኾነት እውን ኣቦታት ሓላይየዘንትዉ።ኣብዚ እዋን’ዚ መሬት ሓላይ ብጽሕድን ኣውሊዕን ካልእ ኣግራብን ዝተሸፈነ ንኽትኣትዎ ዘፍርሕን ሰፈር ኣናብስን፣ ኣናብርን፣ ኣዛብእን፣ መፍለስን ፣ ዓጋዜንን ካልእ ዝተፈላለዩ እንስሳ በረኻን ኣራዊትን ስለ ዝነበሩዎ እዚ’ውን ሓደ ካብቲ ብድሆታት ምንቅስቓስ ቅዱስ ኣቦና ከም ዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ክሊማ ንባዕሉ፡ ከባቢ ሓላይ ከም ዝፍለጥ ካብ ኤርትራ እቲ ዝዘሓለ ቦታታት ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ፣ ኣብዚ ጊዜ እዚ እንታይ ተደኪኖም ነቲ ኩሉ ቁሪ ይሓልፉዎ ከም ዝነበሩ ዘየገርም ኣይኮነን፣ ኣቡነ ያዕቆብ ነዚን ካልእን ኣብቲ ጉዕዞ ሕይወት ካብ ዘጋጥሞም ዝነበረ ከዘንትዉ ከለዉ “ ኵሉ ዓይነት ስቓይን ስእነትን ኢና ንሕልፍ” ድሕሪ ምባል ቀጺሎም “ጥሜት፡ ጽምኢ፡ ሕሉፍ ዋዕን ቁርን፡ ድቃስ ለይቲ ንስእን፣ ንብረትናን ኣቕሑ ቤተ ክርስትያንን ይጠፍኣና፡ ክድዓት ናይቶም ድኹማትን ብሓሶት ምሳኹም ኣለና ዝብሉናን ከምኡ ድማ ንስደትን ንሓደጋ ሞትን ዘቃልዕ ኩነታት ኢና ንነብር ዘለና” እናበሉ ንዅነታትን ነቲ ዘሕልፉዎ ዝነበሩ ጸገማትን የዘንቱዉልና። ቀጺሎም ድማ ማኅበሮም ይርዱእሎም ከም ዘይነበሩ እንክገልጹ “እቲ ቀንዲ ዘጨንቐንን ከም ውግዘትኮይኑኒ ዘሎ ግን ካብ ክቡር ሓላቓና ዝመጸ እዩ” ይብሉ። ነዚ ውግዘት ዝብሉዎ ዘለዉ ነቲ ዝነብሩዎ ዝነበሩ ኣነባብራ ካብ ዘይምርዳእ ካብ ሓላቓ ማኅበሮም ዝመጾም ዝነበረ ተቓውሞ እዮም ዝዛረቡ ዘለዉ። ምኽንያቱ እቲ ናብ ኣቡነ ያዕቆብ ዝመጽእ ዝነበረ ገንዘብ ብኢድ እቶም ንባጽዕ ዝመላለሱ ዝነበሩ ቆንስ ፈረንሳ ይመሓላለፍ ስለ ዝነበረ ኣብ ኢዶም ኢድ እቶም ተቐበልቲ እዩ ዝጠፋፋእ ዝነበረ እምበር ኣቡነ ያዕቆብ ስለ ዝዘረውዎ ኣይኮነን። እቶም ሓለቓ ዝስደድ ዝነበረ ገንዘብ ካቶሊክ ንኽኾኑ ንሰባት ዝወሃብ ዘሎ እዩ ዝመስሎም ዝነበረ። ዳሕራይ ግን ኣባ ማርቆስ ኣ. ፑሶ መጺኦም ብዓይኖም ምስ ረኣዩዎም “ኣቡነ ያዕቆብ ምስ ህዝቢ ሓበሻ ክነብሩ ዝተፈጥሩ ሰብ እዮም” ክብሉ ብኣድናቖት መስኪሮምሎም።

10) ካልኣይ ፈተነታት ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ
ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ብተቓወምቲ ብዙሕ ፈተናታትን ስደትን ሓሊፎም እዮም። ግብጻዊ ጳጳስን ኣብ ጎንደር ነጊሱ ዝነበረ ንደጊያት ውቤ ስዒሩ በትሪ ስልጣን ዝጨበጠ ራእሲ ካሳ (ቴድሮስን) ሓቢሮም ንቕዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ንምስጓጕ ዘይፈተኑዎ ሜላታትን ምኽርን ኣይነበረን። ነቶም ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝኣመኑ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ትግራይ (ዓሊተናን ጎልዓን ከባቢኡን) ዝነበሩ ብሕሱም ኣጋፊዖሞምን ኣሳዲዶምዎምን እዮም። ቅዱስ ኣቦና እውን ምስ ዝኣመኑዎም መከራ ክቕበሉ ግድን ኮኖም። እቶም ተቓወምቲ ካብ ትግራይ ሓሊፎም እውን ንሓላይን ቤተ ክርስትያኖምን ከዕኑዉን ከቃጽሉን ወተሃደራት ይልእኩ ነበሩ። ህዝቢ ሓላይ ግን ነቲ ዝግበር ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ብትሪ ይቃውሙን ይከላኸሉን ነበሩ።
ቅዱስ ኣቦና ብ 7 ለካቲት 1854 ምስ ብጾቶም ኣባ ተኽለሃይማኖት በዓል ጎልዓን ኣባ ተኽለሚካኤልን ኣባ ተስፋጽዮንን ደብተራ ሃይሉ በዓል ሓላይን ንጎንደር ነቐሉ። ኣብ ጎንደር ድማ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኣክል ብዙሕ ማእሰርትን ግፍዕን ረኸቡ። ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል እውን ኣብዚ እዮም ተባዕ ምስክርነቶም ብምሃብ ብ 29 ነሓሰ 1855 ዓ. ም. ፈ. ሰማእት ዝኾኑ።
ቅዱስ ኣቦና ድማ ካብዚ ቤት ማእሰርቲ ጎንደር ውጺኦም ንሒደት ኣዋርሕ ኣብ እምኩሉ ድሕሪ ምቕማጥ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1856 ዓ. ፈ. ንሓላይ ተምልሱ። ኣብዚ ጊዜያት’ዚ እውን ካብ ፈረንሳ ዝመጸ ሩሰል ዝተባህለ ቆንስል ንእምኩሉ መጺኡ ነበረ። ቀጺሉ እውን ንሓላይ መጸ። ብ 6 ጥሪ 1860 ብብዓለ ኣስተርእዮ ናይ ላቲን (Epiphany) ኣቡነ ያዕቆብ ምስ ቆንስል ፈረንሳ ኣብ ሓላይ ኣብዓሉ፣ ኣቡነ ያዕቆብ ድማ ነቲ ቆንስል ኩነታት ሕይወቶም ገለጹሉ። ንሱ ኣብቲ ቦታ ምምጽኡ ውን ጽቡቕ ተሰምዖም። እቶምዝበለጹ ብኣቡነ ያዕቆብ ዝተመስከረሎም ወዲ ማኅበሮም ኣባ ደልሞንተ ዝተባህሉ ካህን ብዕለት 8 ጥሪ 1860 ኣቢሎም ንሓላይ ኣተዉ። ኣባ ደልሞንተ ንቕዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ብቐሊሉ ከለልዩዎም ኣይከኣሉን። ኣባ ደልሞንተ ዝተዓዘብዎ እንክገልጹ “ኣብ ኣፍ ደገ ናይ’ቲ ገዛ ኣብ መሬት ኮፍ ዝብሉ ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ረኣኹ። ንሶም ኣብ ሓደ ኢዶም መጽሓፍ ሒዞም፣ ባህላዊ ካባ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝባኖም ዝወደዩ ነበሩ። እንተኾነ እዞም ሽማግለ ሰብኣይ ኣቡነ ያዕቆብ እዮም ኔሮም” ይብሉ። ኣቡነ ያዕቆብ ኣብ ውሽጢ 14 ዓመት ንበጻሒኦም ኣባ ማርቆስ ኣ. ፑሶ ከምኡ ድማ ድሕሪ 8 ዓመት ንሓዲሽ ካህን ውዲ ማኅበሮም ብምርካብ ከኣ ኣዝዮም ተሓጎሱ። ብምኽንያት ድኽነቶም ከኣ ብቑዕ ኮፍ መበሊ ኮነ መደቀሲ ክፍሊ ብዘይምርካቦም ጎሃዩ። እተን ዝነበራኦም ከኣ ንቆንስል ፈረንሳ ተጠቒሞምለን። ኣቡነ ያዕቆብ ንኣባ ደልሞንተ ኣዝዮም እዮም ዘድንቕዎም፣ ንመጻኢ እውን ናቶም ተካኢ ኪኾኑ ከም ዘለዎም ተላብዮምዎም እዮም።

11)መወዳእታ መዓልታት ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ኣብ ሓላይን ኣብ ተኾንዳዕ ምእሳሮምን
ንጉስ ቴድሮስ ብወተሃደራቱ ንጎቦታት ትግራይ ምስ ሓዛ ንቆስል ፈረንሳ ክቆጻጸር እውን ብዙሕ ተስፋ ገበረ። ሩሰል ግን ካብ ሓላይ ክሃድም ጸገም ኮኖ። እንተኾነ ብምትሕግጋዝ ኣባ እምነቱ ብለይቲ ብዕለት 28 ጥሪ 1860 ካብ ሓላይ ሃደመ።
ነዲሮም ዝመጹ ወተሃደራት ሃጸይ ቴድሮስ፥ ቆንስል ፈረንሳ ብለይቲ ከም ዝሃደመ ሲሚዖም፣ ወጋሕታ ዕለት 9 ለካቲት ቀጽሪ ሓላይ ከቢቦም ሓዙዋ። በዛ ዕለት’ዚኣ ኣቡነ ያዕቆብ ንግሆ ተባራቢሮም ቅዳሴኦምን ጸሎትምን ከዕርጉ ናብ ቤት ጸሎቶም ኣተዉ፣ ነዚ ዝረኣዩ ወተሃደራት ንማዕጾ ቤት ጸሎት ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ሰቢሮም ኣተዉ። ኣቡነ ያዕቆብ ዝጀመሩዎ ቅዳሴን ጸሎትን ከቋርጹ ተገደዱ። ቀስ ኢሎም ወጺኦም ድማ እታ ናይ መወዳእታ ናይ ሓላይ ቡኖም ሰተዩ። ብዘይ ገለ ምቅርራብ ድማ ብስም ሃጸይ ተድሮስ በቶም ወተሃደራት ተኣሲሮም ካብ ሓላይ ንተኾንዳዕ ዝተባህለ ዓዲ ተወስዱ። እቶም ብቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዝተመስከረሎም ኣባ ደልሞንተ ካብ ዝመጹ ውሑድ እዮም ጌሮም፣ ምስ ኣቡነ ያዕቆብ ተኣሲሮም ክውሰዱ እውን ነቐሉ። ኣቡነ ያዕቆብ ግን “ደሓን ኣነ ይኣክል” ብምባል ንህዝቦም ክጓስዩ ኣብ ሓላይ ከም ዝጸንሑ ገበሩ። ኣቡነ ያዕቆብ ንተኾንዳዕ ተኣሲሮም ምስ ከዱ ኣብ ሓንቲ ጭራም ወረቐት መልእኽቲ ናብ ኣባ ደልሞንተ ጸሓፉ። እታ መልእኽቲ፡ “ኣነ ኣብ ሓደ ደምበ ምስ ኣባቕልን ኣፍራስን ከብትን ዝሓድራሉ ተኣሲረ ኣለኹ። እንተኾነ ከም ንጉስ እዮም ዝሕብሕቡኒ ዘለዉ” ድሕሪ ምባል ቀጺሎም ድማ “ንስኻ [ኣባ ደልሞንተ] ብዘይካ እቲ ንኣቡን ዝተሓዝአ ስልጣን ካልእ ኩሉ ስልጣነይ ሂበካ ኣለኹ። እኹል ቀለም ምስ ረኸብኩ ኣንውሕ ኣቢለ ክጽሕፈልካ እየ። ወላ ሓንቲ እኳ ዘፍርሕ የብልካን፣ ንኹልኻትኩም ድማ እባርኸኩም ኣለኹ፣ ብፍላይ ከኣ ን ኃው ፍሊፒኒ ኣቐዲመ ውን ንእምኩሉ ክኸይድ ኣፍቂደሉ ኣለኹ. . .፣ ሓቚፈ ዝስዕመኩም ክቡራት ኣኅዋተይ። ዘፍቅረኩም ያዕቆብ ዩስጢኖስ” እናበሉ ጸሓፉሉ። ነዚ ኩሉ ዝረኣዩ መእምናን ሓላይ ቅዱስ ኣቦኦም ተኣሲሮም ክውሰዱ ኣይተዋሕጠሎምን። ሽማግለ ሓላይ ተኣኪቦም ብምምካር ምስ ቆንስል ፈረንሳ ብምትሕብባር 100 ታለርስ (ቅርሺ) ኣዋጺኦም ንኣቡነ ያዕቆብ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተኾንዳዕ ከም ዝወጹ ገበሩ፣ ብለይቲ ድማ ካብ ተኾንዳዕ ብሩባ ሓዳስ ጌሮም ንጊዝኡ ኣብ ባጽዕ ከም ዝጸንሑ ተገበረ። ኣቡነ ያዕቆብ ግን ብዛዕባ ኵነታቶም እናሰከፎም ስለ ዝመጸ ብዛዕባ እታ ዝተኸሉዋ ፈልሲ ቀጻልነታ ንምውሓስ ካብ ምሕሳብ ብዓዲ ኣይወዓሉን። ብዕለት 28 ለካቲት ኣብ ተኾንዳዕ ቅድሚ ምውጽኦም ናብ ኣባ ደልሞንተ ስፍሕ ዝበለ መልእኽቲ ጸሓፉ። ኣቡነ ያዕቆብ ሽሕ እኳ ኣቡነ ቢያንኬሪ ተካኢ ኣቡን እንተ ነበሩዎም ኣብ ዝተፈላለየ ስነ ሓሳብ ግን ብዙሕ ስምምዕ ኣይነበሮምን። ኣቡነ ቢያንኬሪ ምስቶም ኣቡነ ያዕቆብ ቀዳምነት ሂቦም ዘኽብሩዎምን ዝፈትውዎምን ካህናት ደቂ ሓበሻ ብዙሕ ስምምዕ ከም ዘይነበሮም ኣብ ታሪኾም ንረክብ። ከምቲ ኣቡነ ያዕቆብ ዘጽኑዑዎም ዝተጠቕምሉን ኣቡነ ቢያንከሪ ግን ንስርዓት ግእዝ እውን ብዙሕ ዝድፉ ኣይመስሉን፤[ኣቡነ ሎሬንሶ ቢያንኬሪ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ ብ ዕለት 2 ጥቅምቲ 1853 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ሓላይ ብኢድ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖስ ከም ተካኢ ኣቡን ብምዃን መዓርገ ጵጵስና ዝተቐብኡ ወዲ ማኅበሮም እዮም።] በዚ ምኽንያት ድማ ኣቡነ ያዕቆብ ንኣባ ደልሞንተ ናቶም ተካኢ ኪኾኑ ዝተደልዩዎም ዝነበሩ ነባ ደልሞን እዮም። ኣብዚ መልእኽቶም እምበርከስ ኣባ ደልሞተ ብስሞም ናብ ሮማን ናብ ማኅበሮምን ወረቐት ጽሒፎም ኣቡነ ያዕቆብ ከም ዝሰመዩዎምን ንሶም ከኣ ክቕበሉዎ ከም ዝኽእሉንክጽሕፉ ከም ዘለዎም ይላበዉ።
ኣቡነ ያዕቆብ ኣብ ቅድሚ ራእሲ ቴድሮስ ፊት ንፊት ምእንቲ ክማጐቱ ሓሰቡ። እንተኾነ ብምኽንያት ማእሰርቲ ኣቡነ ያዕቆብ ህዝቢ ሓላይ ኣንጻር ኣሳደድቲ ክቃልስ ሓያልን ደማውን ግጭት ኣለዓዓለ። ኣቡነ ያዕቆብ እውን በዚ ሰጊኦም ነበሩ። እቲ ዝሓሸ ማራጺ ንኣቡነ ያዕቆብ መውጽኢ ዝኸውን ገንዘብ ኣዋጺእካ ንዓኦም ንጊዜኡ ካብቲ ቦታ ምእላይ ዝብል ሓሳብ ሽማለታት ሓላይ ተማኸሩ። ኣቡነ ያዕቆብ ድማ ነዚ ሓሳብ ተቐበሉዎ። ኣብ መወዳእታ ድማእቶም ሽማግለታት ብዝወሰዱዎ ቆራጽ ስጉምቲ ተሓጊዞም ኣቡነ ያዕቆብ ብዕለት 3 መጋቢት 1860 ካብ ቤት ማእሰርቲ ተኾንዳዕ ብለይቲ ብሩባ ሓዳስ ጌሮም ኣህደሙዎም። ለይትን መዓልትን ድሕሪ ምጉዓዝ ድማ ብዕለት 6 መጋቢት ኣጋ ንግሆ ወጋሕታ እምኩሉ (ባጽዕ) ኣተዉ። ኣብኡ ድማ ኣቡነ ቢያንኬሪ ጸንሑዎም። ድሒሮም ድማ ካልኦት’ውን ብምኽንያት እቲ ብሰንኪ ኣሳደዲ ራእሲ ቴድሮስን ግብጻዊ ጳጳስ ኣቡነ ሰላማን ዝሰዓበ ዘይርጉእነት ካልኦት ኣባ ደልሞንተን ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን ካህናትን ኣቶ ገላውደዮስ [ በዓል ጎልዓ] ምስ በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ መቕደስን ስድራቤቶምን ዝርከቡዎምን ንእምኩሉ ሰዓቡዎም። ክሳብ ነገር ዝሃድእ ድማ ኣብኡ ተቐመጡ። ቤት እምኩሉ ድማ ልዕሊ ዓቕሙ ሰባት ክእንግድ ጀመረ። ብሰንኪቲ ዘጋጠመ ብዝሒ ሰባት ገንዘብ እናወሓደ ስለ ዝኸደ እቲ ኣብ ደሴት ባጽዕ ክስራሕ ተሓሲቡ ዝነበረ ቤተ ክርስትያን ተደናጎየ። ካብ ወርሒ ግንቦት ኣቢሉ ኣቲ ተላዒሉ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ብመጠኑ ስለ ዝዘሓለ ገለ ካብቶም ንባጽዕ ሃዲሞም ዝነበሩ ንትግራይን ንሕላይን ክምለሱ ጀመሩ። ኣቡነ ያዕቆብ እውን ንኹሎም መሪቖም ኣፋነውዎም። ኣቡነ ያዕቆብን ገሊኣቶም ብጾቶምን ግን ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ኣብ እምኩሉ ጸንሑ።

12) ጉዕዞ ምምላስ ንሓላይን ዕረፍቶምን
ወርሒ ሓምለ ባጽዕ ብርቱዕ ሙቖትን ጸቕጥን ስለ ዝኾነ ኣብኡ ክትነብር ቀሊል ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት እቶም ካብዚ ቦታ ንሓላይ ከይተምልሱ ዝጸንሑ ነቲ ኣዝዩ ዝሑልን ተባሃግን ኩነታት ኣየር ሓላይ ክናፍቑን ኣብ ሕላሞም ክረኣዮምን ጀመረ። ኣባ ተስፋጽዮን እውን በቲ ኣብ ጎንደር ተኣሲሮም ከለዉ ብኹርማጅ ዝተሃርሙዎ፣ ንኽሓዊ ሽዱሽተ ወርሒ ዝወሰደ ቁስሊ ንኽሓውየሎም ዝያዳ ነዚ ለውጢ’ዚ ይብህጉ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ግን ብናይ ኩላቶም ስምምዕ ኣቡነ ያዕቆብ እውን ምስኦም ካብ እምኩሉ ንሓላይ ክኸዱ ተሰማምዑ። ኣብዚ ወርሒ’ዚ ግን ኣቡነ ያዕቆብ ሓይሎምን ኩነታት ጥዕናኦምን ኣዝዩ ኣንቆልቆለ። ንተመሃርቶምን ንካህናት ብጾቶምን ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ነታ ንዓመታት ዝደኸሙላ ግራቶምን ስብከተ ወንጌሎምን ክፍለዩዋ ተቓሪቦም ከም ዘለዉ ስለ ዝተረድኡ “ጊዜይ ቀሪባ እያ፣ ምናልባት እታ ሰዓት ሞተይ ቀሪባ ትመልስ” እናበሉ ተዛረቡዎም። ኣቡነ ያዕቆብ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ስብከቶም ብኑጹርን ሓጺርን መንገዲ ንተመሃርቶምን ካህናቶምን ኣብ እምነቶም ክጸንዑንእሙናት ኮይኖም ክጎዓዙን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ሮማ ክእዘዙ ከም ዘለዎምን ኣዘኻኸሩዎም።
ብዕለት 19 ሓምለ ኣቡነ ያዕቆብ በዓለ ቅዱስ ቪንቸንስዮስ ዘጳውሊ ምስ ኣብዓሉ ፍሉይ ድኻምን ልዑል ረስንን ተሰምዖም። ለይቲ ብዕለት 27 ሓምለ ሓደ ካብ ኣባላቶም ንኣቡነ ያዕቆብ ማይ ኣምጸኣሎም፣ ንሶም ግን ወጋሕታ ስለ ዝነበረ፡ ቅዳሴ ክገብሩን እታ ናይ መወዳእታ ጊዜኦም ተመጽእ ከም ዘላ ፈሊጦም ኣበዩ። ሰዓታት ሞቶም ከም ዝቐረበት ተፈሊጡዎም ንኹሉ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝጽሕፉዎ ዝነበሩ ውልቃዊ ወረቓቕቶም ኣብ ሓዊ ኣቃጸሉዎ። ድሕሪ’ዚ ኣባ ተኽለሃይማኖት “ንዓኹም እቲ ጥዑም ኣየር (ንፋስ) ናይ ሓላይ እዩ ንጥዕናኹም ዘሕውየልኩም” ብምባል ሓሳብ ኣቕረቡ። ኣቡነ ያዕቆብ ድማ ንሓሳብ ኣባ ተኽለሃይማኖት ቀልጢፎም ተቐበሉዎ። ድሕሪ’ዚ ብዕለት 29 ሓምለ ኣቡነ ያዕቆብ ብልዑል ድኻምን ቃንዛን ነታ መፋነዊት ናይ መወዳእታ ቅዳሴኦም ኣዕረጉ። ነቶም ኣብ ክንዲ ኃው ፍሊፒኒ ኣብ ባጽዕ ንኽጸንሑንምስራሕ ቤት ጸሎት ክከታተሉንዝነበሮም ኣባ ደልሞንተ ናይ ፈነዋ ለበውኦም ተዛረቡዎም።
ድሕሪ’ዚ በቲ ንጉዕዞ ዝሓሸ ዝተባህለ ሰዓታት ኣጋ ምሸት ድሕሪ ቀትሪ ኣግማሎም ጽዒኖም ንእምኩሉ ተፋነዮም ሕርጊጎ በጽሑ። ኣባ ተኽለጊዮርጊስ ድማ ካብ ገመል ወዲቖም ንእሽቶይ ሓደጋ ኣጋጠሞም። “ናይብ ሓሰን” ዝተባህለ ኣስላማይ እሙን ዓርኪ ኣቡነ ያዕቆብ ድማ ኣብቲ ብለይቲ ዝኸዱዎ ዝነበሩ መንገዲ የሰንዮም ነበረ።
ብዕለት 30 ሓምለ ኣብ “ማይ ስንቂ” ዝተባህለ ቦታ በጽሑ። ኣቡነ ያዕቆብ ኣብዚ ምስ በጽሑ ብረስኒ ተቖልዮም ፈጥፈጥ በሉ። ኣባ ሰይፉን ኣባ ሃይሉን ድማ ብርቱዕ ሓሚሞም ምግቢ ምብላዕ ኣበዩ። ተመሃራይ ሊዮ ወዲቑ ኢዱ ተሰብረ። በታ ንግሆ’ቲኣ ኣብ ሩባ ዓሊ ገዲ(ሩባ ኣጣል) በጽሑ። ብኸበሳ ዝመጸ ውሕጅ ክሰግሩ ድማ ክዳውንቶም ጠልቀየ። ካብቲ ከባቢ ዝተላዕለ ሓያል ረስኒ ስለ ዝነበረ ዝስተ ማይ እውን ኣይረኸቡን፣ ብጽምኢ ማይ ነቐጹ። ሰዓት ዓሰርተ ቅድሚ ቀትሪ ቁሩብ ዕረፍቲ ድሕሪ ምውሳድ ድማ ኣብቲ ሩባ ቡን ቆልዮም ክሰትዩ ጀመሩ። ተመሃራይ ገብረሚካኤል ንኣቡነ ያዕቆብ ቡን እና’ቐበሎም ኣቡነ ያዕቆብ ድማ ቀስ ኢሎም ብህድእ ዝበለ ድምጺ ህይወቶም ካብ ሰለስተ ሰዓት ንላዕሊ ክትጸንሕ ከም ዘይትኽእል ሓበሩዎ። ኩነታት ኣባ ሰይፉን ኣባ ሃይሉን ግን ኣብ ሓደጋ ስለ ዝነበረ ዝበዝሐ ኣቓልቦ ናይ ቶም ኣባላት ናብኦም ነበረ። ኣቡነ ያዕቆብ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ዝነበሩ ኣባ ሃይሉ ጸሎት ገበሩሎም።“ጸገም ኣባ ሃይሉ ክቱር ድኻም ደኣ እዩ እምበር ካልእ ኣይኮነን” ብምባል ኣባ ሃይሉ ከመ ዘይሞቱን ቁሩብ ወይኒ ክህቡዎም ከም ዘለዎምን ሓበሩዎም። ኣቡነ ያዕቆብ ንባዕሎም ቁሩብ ምስ ወይኒ ዝተሓወሰ ሩዝን ሽሩባን ሰተዩ። ድሕሪ’ዚ ኣቡነ ያዕቆብ ጊዜኦም ክልተ ሰዓት ኣቢሉ ስለ ዝተረፎም ንኣባ ዮሓንስ ጸዊዖም ኑዛዜ ገበሩ። ድሕሪኡ ከኣ ነቶም ካልኦት ሸውዓተ ካህናትብጾቶም ከምዚ እናበሉ ተዛረቡዎም፥
“ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኮይኑ ንሓዋርያቱን ንማርያምን ዝተፋነወ ኣነ ከኣ ከምኡ ክፈነውኩም። ፣ ሕሜታን ጽልኢን ካብ ቤትኩም ኣርሕቑ፣ ነንሓድሓድኩም ተፋቐሩ። ኣብ እምነትኩም ጽንዑ፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ልግሲ ኣዘውትሩ። መብራህቲ (ሃገርኩም) ኢትዮጵያ ኩኑ. . . ዝኾነ በዲለኩም እንተኾይነ ከኣ እቕረ በሉለይ” እናበሉ ተፋነዎም። ብድሕሪ’ዚ ኣቡነ ያዕቆብ ካብታ ዝፈትውዋን ንልዕሊ 20 ዓመታት ረሃጾም ዘፍሰሱላን ግራት ስብከቶም ሓበሻ ነታ ዝተነብረትሎም ኣኽሊል ዓወት ኽቕበሉ ሰዓት 3:00 ድ. ቀ ብዕለት 31 ሓምለ 1860 ናብታ መንበረ ጵጵስናኦም ዝኾነትን ዝፈትውዋን ሓላይ እናተጓዕዙ ኣብ ጉዕዞኦም ብዘጋጠሞም ሕማም ኣብ ሩባ ዓሊ- ገደ ማለት ብሩባ ሓዳስ ዘውረደ ሩባ ብሰላም ዓረፉ። ኣብ ራብዓይ መዓልቶም ከኣ ብዕለት 3 ነሓሰ ኣብ ሔቦ ተቐብሩ። ንታሪኻዊ ሓቅታት ኣብ ሔቦ ምቕባሮም ብዙሕ ንጹር ኣይኮነን። ብልምዲ ከም ዝበሃልን ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረን ግን “ምስ መትኩ ኣብ ሔቦ ቅበሩኒ” ስለ ዝበሉ እዮም ይበሃል። እዚ ግን ክሳብ ሕጂ ኣካታዒ ኮይኑ ዘሎ ኣርእስቲ እዩ። ብናይ ውልቀይ ርእቶ ግን ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ኩነታትን ዘይምርግጋእን ሪኢኻስ ንሶም ስለ ዝበሉ ዘይኮነስ ካልእ ምኽንያት ስለ ዝነበሮም እዮም ኣብ ሔቦ ቀቢሮሞም። ምኽንያቱ ኣቡነ ያዕቆብ ፍቱውን ኵሉ ሰብ ከኣ ብፍቕሮም ተሳሒቡ ይስዕቦም ስለ ዝነበረን፣ ኣተኣሳስራኦም ካብ ሓላይ ንቶኾንዳዕ ዝነበረ እንተ ረኣና እውን ነዚ ሓቂ እዚ ዘግህደልና እዩ። ሞይቶም ሬሳኦም ኣብ ሓላይ እንተ ተቐቢሩ እውን እቶም ብዛዕባኦም ክስምዑ ዘይደልዩን ከጥፍኡዎም ህርዲግ ዝብሉ ዝነበሩ ሃጸይ ተድሮስን ተሓባባሪኦም ግብጻዊ ጳጳስ ኣቡነ ሰላማን ካብ መቓብሮም ፍሒሮም እውን ንሬሳኦም ከጥፍኡዎም ስለ ዝከኣል ናብ ውሑስ ቦታ ምውሳድ ይሓይሽ ብምባል ከይኮነ ኣይተርፍን። ህዝቢ ሓላይ እውን ነዚ ሕቶ እዚ ክምልሱ ነቲ ብትውፊት ዝመሓላለፍ ታሪኽ፡ ነዚ እዮም ዘዘንትዉ። ቀጺሉ ኣብ ዝሰዓበ ታሪኽ እውን ዓጽሚ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዋላ እኳ ካብ ሓላይ ናብ ውሑስ ቦታ ወሪዱ ተባሂሉ ኣብ ሔቦ ይቀበር እምበር ኣብ ታሪኽ ከም እንረኽቦ ብሰንኪ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝመጽእ ዝነበረ ተጻብኦታት ወረርትን ቀናኣትን ኣብ ሔቦ እውን ከምቲ ዝተሓስበ ግቡእ ዕረፍቲ ዝረኸበ ኣይመስልን። ናብ ዝተፈላለየ በዓትታትን ጎቦታትን ብሳንዱቕ ተጠሚሩ ተጓዒዙን ተመዛቢሉን እዩ። ብኸመይ ኣብ ቦትኡ ተመሊሱ ዝብል ሕቶ ግን ንባዕለይ ውን ኣይፈልጥን።
ብዝኾነ ግን ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖስ ናይትን ናይዝን ዝበሃለሎም ኣይኮኑን። ብእምነት ቅዱስ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እዮም፣ ብፍሉይ ከኣ ኣቦ ናይ ምድረ ሓበሻ እዮም። ንሓቀኛ ታሪኾም ክንፍትሽን ክንፈልጥን ከኣ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ሰብ እዩ።

13) ቅርሲ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖስ ኣብ ሓላይ
ቅርሲ ማለት ሓደ ታሪኻዊ ዝኽሪ ወይ መዘከሪ ናይ ሓደ ውሩይ ሰብ ወይ ናይ ሓደ ነገር ኮይኑ ካብቲ ብስነ ቅርሲ ብፍሉይ ኣተኩሮ ዝግበረሉ ብጥንቃቐ ዝተሓዝን እዩ። ማናልባት ንሓደ ብዛዕባ ታሪኽ ዘይርዳእን ዘይግደስን ሰብ፡ ተመራመርቲ ስነ ቅርሲ ንመሬት ፍሒሮም ንዘመናት ዝተቐብረን ዝተጓሕፈን ዓጽሚ ይኹን ካልእ ንብረት ክኣርዩ ክርኢ ከሎ ብዙሕ ክርድኦን ዘይግደሰሉን ኪኸውን ይከኣል እዩ። ነቶም ተመራመርቲ ግን ኣዝዩ ክቡር እዩ።
ንሕና ኸ ኣብ ምፍላጥን ምዕቃብን ቅርሲ ታሪኽና ከመይ ኢና? ነዚ ኣብ ሓላይ ዘሎ ንህያው ታሪኽ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብን ብጾቶምን ንኣነባብራ ሕይወቶም ዝነግርን ከምቲ ዝነበሮ እናሃለወ ክንፈልጦን ክንዕቅቦን ንፍትንዶ? ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ሓላይ ናይቶም ቅዱስ ወላዲኣ ቤቶም ዝነበረትን ከምታ ዝገደፉዋ ምልክት ድኽነቶም እትገልጽ ህድሞኦምን …፠(ቦታ ሰለ ዝመልአ መቀጸልታ ኣብ comment ኣሎ።

Weight Loss

%d bloggers like this: