-
Ethiopia: Banking Services Remain Absent in War-Torn Irob, Tigray Region Despite Peace Deal
-
BIshops in Ethopia warn the country may be on brink of return to war
-
AFRICA/ETHIOPIA – Eparch of Adigrat: “Our world order seems to be in need of a serious transformation”: we do not want Tigray to remain forgotten
News Now reports on Ethiopia’s Tigray
ናይ አዎ ቅዱስ ሚካኤል መበል 100 ዓመት
ናይ እንቋዕ ኣብፅሓኩም መልእኽቲ ናይ አዎ ቅዱስ ሚካኤል መበል 100 ዓመት
ብብፁእ ኣቦና +አባ ተ/ሥላሴ መድኅን
ካቶሊካዊ ጳጳስ ዘመንበረ ዓዲግራት
12 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም.
“ኣብ ደጌታቱ ብምስጋና፣ ኣብ ኣጸዱውን ብውዳሴ እተዉ፣ ኣመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ። እግዚኣብሄር ሠናይ እዩ እሞ፣ ጸጋኡ ንዘለኣለም፣ እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።” (መዝ.100፡5)
ፍቁራንን ክቡራንን ሕዝበ-እግዚኣብሔር ካህናት፡ ደናግል፡ ምእመናን፡ ብሓባር፤
ሎሚ 12 ጥቅምቲ፡ 2016 ዓ.ም.፡ ኣብ’ዛ ካብ’ተን ናይ ሰበኻና ቀዳሞትን ዓበይትን ቁምስናታት ሓንቲ ዝኾነት፡ ቁምስና ቅዱስ ሚካኤል ኣዎ፡ ብልማድ “መካይል-ባራካቶ” / “ሚካኤል በረከቶ” እናተብሃለ ዝፍለጥ ቁምስናና፡ ናይ መበል 100 ዓመት ኢዮቤል (“ሓደ ዘመን”) መኽፈቲ በዓል እነኽብረሉ ዘሎና ናይ ፀጋ መዓልቲ ኢዩ፡፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብሕይወት ሓልዩ፡ ኣብ ዘዘሎናዮ ኰይንና በረከት ናይ’ዙ በዓል’ዙይ ንምስታፍ ዘብጸሐናን ዘብቀዐናን፡ ልዑል ምስጋና ይብጻሓዮ፡ እንቋዕ ኣብጸሐና/ኩም፡፡
ኣብ ውሽጢ’ዘን ሚእቲ ዓመታት እተቐበልናዮም ፀጋታት-ኣምላኽ ብዙሓት ስለዝኾና፡ ንድኅሪት ምልስ ኢልና እንሓስበሉን ንኣምላኽና እነመስግነሉን ናይ ፀጋ መዓልትን ጊዜን ኢዩ፡፡ ስለ’ዙይ ንኣምላኽናን፡ ሓላዊና-መልኣኽ ዝኾነ፡ ኩስሚ መፀወዒኣ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽትን፡ ዓቢይ ምስጋና ክንምልስን ክንገልጽን መንፈሳዊ ኣገባብና ኢዩ፡፡
ታሕጓስን ምስጋና ብዝተመልኦ መንፈስን ገይርና፡ ንቶም ኣብዛ ቁምስና’ዚኣ ካብ እትምሥረት ክሳብ ሎሚ ዘገልገሉን ኣብ ምግልጋል ዝርከቡን ኵሎም ካህናት፡ ዓሚቕ ምስጋናና ይብጻሓዮም፡፡ ን’ዙ ዓቢይ ናይ መንፈሳዊ ዓወት በዓል እንክነኽብር፡ ንቶም ንካህናቶም የማናይ ኢዶም ዝነበሩ፡ ሕይወቶም ንእግዚኣብሔርን ንቁምስናኦምን ኣብ ምግልጋል ውፉያት ሓገዝቶም ንዝነበሩ መንፈሳውያን ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ከምኡ’ውን ብመንፈስን ብኣብነት-መንፈሳውያን ወለዶም እተሃነፁ መንእሰያትን፡ ን’ዛ ቁምስና ብዝገበርዎን ዘበርከትዎን፡ ኣብ ምብርካት ዝርከቡን ኵሎም፡ ብዓቢይ ፍቕርናን ምስጋናናን ንዝክሮም፡፡
ብትብዓትን መንፈሳዊ ቅንኣትን ተለዓዒሎም ኣብ ናይ ቤተክርስቲያኖም ሕይወት እናተሳተፉ ብዝገበርዎ መንፈሳውን ማሕበራውን ትምህርታውን ጻዕርታት፡ ብዙሕ ፍረ ኣፍሪዮም ኢዮም፡፡ እዙ ፍረ’ዙይ ከዓ ካብ’ዙ ማሕበረሰብ ብዝወፁ ዝሓለፉን ብሕይወት ኣብ ናይ ፀሎትን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ቤተክርስቲያንን ናይ ዝርከቡ ካህናትን ደናግልን ቁጽሪ ባዕሉ ምስክር ኢዩ፡፡ እዚኦም ካብ ናይ ግሎም ናይ ኣነነት መንፈስ ወፂኦም፡ ናይ እግዚኣብሔር ፀዋዕታ ብምምላሶም፡ ልዑል ምስጋናን ኣክብሮትን ይግብኦም፡፡
ብ’ዙ ምክንያት’ዙይ’ውን፡ ን’ቱ ሓላዪ-ኵሉ ዝኾነ ኣምላኽና፡ ኣብ ዝሓለፈ ንዝገበረልና ኵሉ ክነመስግኖ፡ ንሀዝን ንቅድሚትን ንዘድልየና ኵሉ ኸዓ፡ ብእምነትን ብፀሎትን ክንልምኖ ይግባእ፡፡ ምኽሪ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ፊልስዩስ ብምኽታል፡
“ድሌትኩም ዘበለስ ብፀሎትን ልማኖን፡ ምስ ምስጋና፡ ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፥ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። …… ሰላም-ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ገይሩ ኪሕልዎ እዩ” (ፊልጵስዩስ 4፡6-7)
ይኹን እምበር ቤተክርስቲያንና፡ ኣብ ዝሓለፋ 100 ዓመታት፡ ብፍላይ ከዓ ኣብ ኣሰቃቒ ናይ ኵናት ዓመታት፡ ዘሕለፈቶ/ዘሕለፍናዮ ፈተናታት ዝርሳዕ ኣይኮነን፡፡ ተበራቲዕና ክንወጽእን ክንራኸብን፡ ናብ’ዙ ሓድነትን ናብ’ዙ ሰዓትን ክንበፅሕ ዝበቓዕና፡ ብናይ እግዚኣብሔር ሕያውነትን ብናይ ማሕበረሰብና ፅንዓትን፡ ናይ መንእሰያትና ጅግንነትን ንናይ ሕይወት ክቡር ዕላማ ብዝገበርዎ መሥዋእትነትን ኢዩ፡፡ ስለዙይ፡ ን’ዞም ዋሕስ ሕይወትና ኰይኖም ንዝተሠውኡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን መንግሥተ ሰማይ የዋርሰልና፡ ንዘለኣለም ከዓ ብክብሪ ንዝክሮም፤ ንኵልና ኣብ ሓዘን ንንርከብ ዘጸናንዕ ጸጋ-ኣምላኽ ይሃበና፣ ን’ቶም ንሳቶም ዝጥውርዎምን ዘዕብይዎን ዝነበሩ ኸዓ፡ ናይ ኵልና፡ ናይ መንግሥትናን ሕብረተሰብናን ፍፁም ፍቕርን ምሕብሓብን ምትሕብባርን፡ ንከይፍለዮም ኣብ’ዙ ኣጋጣሚ፡ መንፈሳዊ ፃውዒተይን ለበዋይን አቕርበልኩም፡፡
ኣብ ዙርያ’ዙ ቅዱስ ደብርና ኰይንና፡ በዓልና እንክነኽብር፡ ሃይማኖታዊ፡ መንፈሳዊ፡ ስነልቦናዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ጸገማት ኣብ ቅድመና ተሠጢሖም ከምዘለዉ ንግንዘብን ንርኢን ኣሎና፡፡ ስለዙይ ንቅድሚት ኣብ እምነትና ኮነ ኣብ ሕይወትና ንዝገጥሙና ፈተናታት በብመጠኖምን መገዶምን ንምሽናፍን ንምሕላፍን፡ ምስ ፈጣሪና፡ ኣብ እምነትና ብምጽናዕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ሕብረትና ብምሕላውን ብምምዕባልን ጥራሕ ኢና ክንፈትሖም እንኽእል፡፡ ኣብ ውሽጢ ቁምስናና ይኹን ኣብ ጐረባብቲ ቁምስናታት ዝርከቡ ዘይምቅድዳዋት ፈቲሽና፡ ብዕርቅን ብምርድዳእን ብምፍታሕ፣ ፍቕርን ስምምዕን ብምግባር፣ ምምኽኻርን ምድግጋፍን መሣርሒና እንተገይርና፡ ን’እቱ ኵሉ ዘፍርሐና ዘሎ ነባራዊ መጨነቒ ጸገማትና ብዝቐለለ መንገዲ ክንሰግሮ ምዃንና እኣምን፡፡
ናይ ደቅና፡ ናይ መናእሰይ መሓብር ብምብጥንዃር፡ ብመንፈስን ብቁጠባውን መንፈሳውን መዳያት ምንቅስቃሳት ብምግባር፡ ክንበራታዕ ኣገዳሲ ኢዩ፡፡ ካብ ብዙሕ ፈተናታት ንምውጻእ’ውን ዘኽእለና ቀንዲ መንገዲ ኢዩ፡፡
ኣብ ርድኢት እምነቱ ዝበሰለ ማሕበረሰብ ንምፍጣር፡ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ክርስቲያናዊ ህንፀት ከካብ ቤትና፡ ካብ ስድራ ኢዩ ክጅመር ዘለዎ፤ ንዙይ ከዓ ንስኻትኩም ከም ምእመናን፡ ንሕና ከዓ ከም ቤተክርስቲያን ዝከኣለና ንምግባር ኣምላኽ ይሓግዘና፡፡
ኵልኹም ፍቁራን ምእመናን፡ ኣቦታት ኣደታት፡ ካህናት፡ ደናግል፡ መንእሰያት፡ ከምኡ’ውን ኣብዙ በዓል ክትሳተፉ ዕድል ረኺብኩም ዘሎኹም፡ ብጽቡቕ ምትሕብባርን ሕውነትን ጕርብትናን እነመስግነኩም፡ ናይ ኦርቶዶክስን እስልምናን እምነት ተኸተልቲ፡ ናይ ኣዎ ቅዱስ ሚካኤል ቁምስና መበል 100 ዓመት ኢዮቤል መኽፈቲ በዓል እንክነኽብር፡ ንዓመት ብዝተፈላለዩ መንፈሳውን ማሕበራውን ናይ መንፈስ ሕንፀት መደባትን ንጥፈታትን ሓቢርና ብምስላጥ፣ ኣብ ናይ’ዙ ዓመት መወዳእታ ኣከባቢ፡ መዓልቲ ብምምራጽ ሓቢርና ንቅዱስ ሚካኤል ብሓለዋኡ፡ ንእግዚኣብሔር ኣምላክና ከዓ ንዓቢዪ ምሕረቱን ልግሱን ሓቢርና እነመስግነሉ መዓልቲ ክህሉ ይሕሰብ፡፡ ካብ ቁምስና ጀሚሩ ክሳብ ወጻኢ በቢቦታኡ ኮሚቴ ብምውጻእ፡ ን’ዙ መበል 100 ዓመት ኢዮቤል ቁምስና ቅዱስ ሚካኤል ኣዎ ምክንያት ብምግባር፡ ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስቲያን መደባትን ስልጠታትን ኣጽኒዖም ብምትላም፡ ብተግባር ንምርኣይ ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከቡ ኮሚቴታት ከምዘለዋ ብቐረባ እንፈልጦ ስለኾንና፡ ንኵላቶም ኣብ ዘዘለዉሉን ኣብ ዝሠርሕዎን ኵሉ እግዚኣብሔር ክባርኾምን ኣሳልጦ ክህቦምን ብጸሎትናን ብትምኒትናን ነሰንዮም፡፡
“ምሕረት ሰላም ፍቕሪ ይብዘሐልኩም!!” (ይኁ.1፡2)
ብሩኸ በዓል መበል 100 ዓመት ኢዮቤል ቁምስና ቅዱስ ሚካኤል ይግበረልኩም ይግበረልና፡
“ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፡ ሥርዓትኩምን ጽንዓት እምነትኩም ብክርስቶስን እናርኤኹ’ውን እሕጐስ ኣሎኹ። ደጊም ከም’ቱ ንጐይታና ክርስቶስ ኢየሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ። ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሃኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም፡ ከምቲ እተመሃርኩምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ።” (ቆሎሴ.2፡6-7)
+አባ ተ/ሥላሴ መድኅን
ካቶሊካዊ ጳጳስ ዘመንበረ ዓዲግራት
ከኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን የጳጳሳት ጉባኤ የተላለፈ መዕልክት
ከኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን የጳጳሳት ጉባኤ የተላለፈ መዕልክት
“ጌታ ሆይ ጸሎቴን ስማ
ጩኸቴም ወደ አንተ ይድረስ
በመከራዬ ቀን ፊትህን ከኔ ወዲያ አትመልስብኝ” መዝ. 102፡1-2
ሀገራችን ኢትዮጵያ ባለፉት አመታት በተለያዩ የፖለቲካ ሥርዓቶች ውስጥ አልፋለች፤ በእነዚህም የፖለቲካ ሥርዓቶች ውስጥ ችግሮቻችንን በመወያየት በአብሮነት፣ በወንድማማችነት፣ የሁሉንም ዜጎች የጋራ ጥቅም ባከበረ መልኩ መፍታት ሳንችል ስለቀረን ጦርነትና ኃይልን ብቸኛ አማራጭ አድርገን በመውሰዳችን የብዙ ዜጎች ደም በከንቱ ፈሷል። ብዙዎች ለአካል ጉዳትና ለስነልቦና ቀውስ ተዳርገዋል፡፡ ብዙዎች ተሰደዋል፣ ለትውልድ ይተርፍ የነበረ ሐብትና ንብረት ወድሟል፡፡ ይህ በመሆኑ ምክንያት ሐዘን ሁሉም ቤት አንኳክቷል፡፡ ዛሬም እያንኳኳ ይገኛል፡፡
ባለፉት ቅርብ ዓመታት በትግራይ ምድር እንዲሁም በአማራ፣ በአፋር፣ በኦሮሚያ፣ በቤንሻንጉል ጉምዝ፣ በደቡብ፣ በሱማሌና በጋምቤላ እንዲሁም በሌሎች አካባቢዎች በተካሄዱት ጦርነቶችና ግጭቶች የፈሰሰው የዜጎች ደም ሁላችንንም ከልብ አሳዝኖናል አንገትም አስደፍቶናል። ውይይትንና መግባባትን ማስቀደም ባህላችን በማድረግ ፈንታ ወንድም በወንድም ላይ ሰይፍን በማንሳቱ ዜጎች ህይወታቸውን ሰቆቃ በተሞላ ሁኔታ እንዲኖሩ ሆኗል።
በያዝነው ሳምንት በትግራይ ምድር በተደረገው ጦርነት ህይወታቸውን ያጡ ወገኖች ለቤተሰቦቻቸው የማርዳት ሥራ እየተከናወነ ስለሆነ የብዙዎች ልብ በከፋ ሐዘን ከብዷል። ይህንን ሳምንት በሐዘን ወገኖቻችንን እንድናስብ የክልሉ መንግስት ማወጁን ምክንያት በማድረግ የኢትዮጵያ ካቶሊክ ቤተክርስትያን ጳጳሳት ጉባኤ የተሰማንን ጥልቅ ሐዘን መግለጽ እንወዳለን። ልዑል እግዚአብሔር ነፍሳቸውን በገነት ከቅዱሳንና ከጻድቃን ጋር ያኑርልን እንላለን። ቤተክርስቲያናችን ከሚያዝኑ ወገኖች ጋር ታዝናለች፣ ከሚያለቅሱትም ጋር ታለቅሳለች። ነገር ግን እንደጌታ ትእዛዝ ቤተክርስቲያን ሐዘኗም ለቅሶዋም ሙታንን ድል አድርጎ በተነሳው በክርስቶስ ባላት ተስፋ ላይ ሆና ነው፡፡ በድጋሚ እግዚአብሔር የሞቱ ልጆቻችንን ነፍስ በገነቱ ያሳርፋቸው፡፡ ውድ ልጆቻቸውን ላጡ ቤተሰቦች መፅናናትን እንመኛለን። በተጨማሪም ልጆቻቸው መሞታቸውን ያልተረዱ ወላጆች እንዳሉ እናምናለን፡፡ ለእነርሱም ነፍስ ቤተክርስቲያናችን ትፀልያለች፡፡
አሁንም በአማራ ክልል እየተደረገ ባለው ጦርነት ስለሚሞቱ ሰዎች ቤተክርስቲያናችን ሐዘኗን ትገልጻለች። ስለእነርሱ ነፍስ በእግዚአብሔር ፊት ቀርባ ጸሎቷን ታቀርባለች። ዛሬም ካለፈው ስህተታችን እየተማርን ባለፈው ባጠፋነው እግዚአብሔር እንዲምረን ንስሐ እየገባን እርስ በእርሳችን በፍቅር በመወያየት ችግሮቻችንን ለመፍታት ይቅር እየተባባልን ጦርነትን በማስወገድና በፍቅር እንደ ወንድማማቾች አብሮ መኖርን ብቸኛ አማራጭ አድርገን እንድንይዝ ቤተክርስቲያን አጥብቃ ትማፀናለች። እግዚአብሔር አብሮ የመኖርን ጥበብ እንዲያድለን ትፀልያለች።
ጌታ ሆይ ለሞቱት ወንድሞቻችንና እህቶቻችን የዘላለም እረፍት ስጣቸው
የማያልቅ ብርሃን አብራላቸው
በሰላም አሳርፋቸው!
በሐዘን ለተጨነቁ ቤተሰቦችም መጽናናት ስጣቸው አሜን!
ከኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን የጳጳሳት ጉባኤ
አዲስ አበባ
ጥቅም 6 ቀን 2ዐ16 ዓ.ም.
The Catholic Bishops’ Conference of Ethiopia expressed condolences to those who lost their lives in the war in Tigray
CBCE strongly condemned all parties to prioritize the culture of dialogue and understanding and to stop causing misery in citizens
ADDIS ABABA, Ethiopia, October 21, 2023/APO Group/ –From October 16th – 18th, 2023, the Tigray regional government is informing families of those who lost their lives in the war in Tigray. It has been said that many are in deep grief of losing their dear ones and family members. Considering this the Catholic Bishops’ Conference of Ethiopia (CBCE) (www.CBCE-gs.org) on October 17th, 2023, has released a message of condolences to families, all Ethiopians, and our Church in Tigray.
Our Church grieves with those who mourn, and cries with those who cry
The Message highlights that Ethiopia has gone through various political systems over the past years and through many of these times conflict has been experienced in diverse ways. Due to that many have lost their precious lives, and many were injured. Tigray, Amhara, Afar, Oromia, Benishangul Gumz, South, Somali, and Gambella are some of the primary areas where Ethiopia has experienced war and conflicts.
CBCE strongly condemned all parties to prioritize the culture of dialogue and understanding and to stop causing misery in citizens. The press release adds “Our Church grieves with those who mourn, and cries with those who cry. But according to the commandment of the Lord, the Church’s sorrow relies on her hope in Christ, who resurrected over death.”
Continuing the statement, the Bishops have asked to stop the ongoing war in the Amhara region and express the church’s sorrow for the people who are still dying. At the end, they call upon all individuals to learn from mistakes repent to God for what has been done in the past, and live only in fraternal spirituality.
Distributed by APO Group on behalf of the Catholic Bishops’ Conference of Ethiopia.